ፖለቲካዊ ሕምዙቕዙቕ ሃገርና 🔫 by Gebreselase

—————————

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንሪኦ ዘለና ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ሑምዝቕዙቕ ናይቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈጸሙ ጌጋታት ውጺኢት እዩ። ንዝሓለፉ ዒስራ ዝኾኑ ዓመታት ንውድባት ኢህወዴግ ኣብ ሓደ ጠሚሩ ሒዙ ዝነበረ ነገር እቲ ህወሓት ሒዙዎ ዝመጽአን ኣብ ቃልሲ ናብ ኩሎም ውድባት ኣስሪጸዮ ዝብሎ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዕላማን ፖለቲካዊ መትከላትን ዘይኮነስ ብዋናነት ንቲ ግንባር ኣብ ሓደ መስርሕ ቐይዱ ናይ ምምራሕን ተፅዕኖ ናይ ምፍጣርን ዝለዓለ ተኽእሎ ዝነበሮ ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ እዩ። ምስኡ ተወሳኺ ድማ መንግስታዊ ስልጣን ዝብህጉ ኣብተን ውድባት ዝዓሰሉ ኣባላት ኣመራርሓ ስለዝነበሩን እዩ። እዙይ ንምርዳእ ናይ ሮኬት ሳይንቲስት ምዃን ኣይሓትትን። እዚ ሓቂ ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ ምስሓለፉ ብዙሕ እንተይከደ ተጋሂዱ እዩ። ብኣዴን ገለ ሓቢኡዎ ዝነበረ ገለ’ውን ሒዙዎም ዝጉዓዝ ዝነበረ ግልጺ ዝኾኑ ናይ ስልጣን ግዕዝይና፣ ትምክሕቲን ጸቢብነትን ኣብ ኣደባባይ ንምግሃድ ጊዜ ኣይወሰዶን። እቲ ንብኣዴን ወሪሱ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ድሕሪ መለስ ዘርኣዮም ባህሪያት ብዋናነት ጸረ ህዝቢ፣ ትምክሕቲን ፀቢብነትን መግለጺኦም ኮይኖም ሽርሒን ቀይዲ በተኽ ኣካይዳትትን ዝዓሰሎ ነይሩን ይቕፅልን ኣሎ።

 

ከምኡ ብምኻኑ ድማ ኣሉታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ናይ መለስ ናይ መሪሕነት ግደ ምትካእን ታሪኽ ናብ ቦትኡ ምምላስን እዩ። ብኻልእ ኣባህላ ሕማም ታሕተዋይነት (ብህወሓት ይምርሑ ስለዝበሃሉ) ካብ ምርጋፍ ዝሓለፈ ናይ ኣምሓራ ልዕልና ምርግጋፅ እዩ። እቲ ብናይ ተስዓራይነት ስምዒት ዝሳቐ ዘሎ ምስ ኣምሓራ ክልል ይኹን ምስ ሕሉፍ ስርዓታት ወይ ኣብ ሜዳ ምስ ዝተስዓሩ ውድባት ዝምድና ዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ እውን ናብዚ ደምበ ብምሕዋስ ብውሽጢን ብደገን ኮይኖም ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ተንበርካኺ ሓይሊ ብሓደ ዓይነት ፋሽሽታዊ ኣተሓሳስባ ተጸሚዶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ነገር እዩ።

 

ከምኡ ገይርካ ኣንፃር እቲ ሰዓራይን ዓብላላይን ፖለቲካዊ ሓይሊ ተባሂሉ ዝተቐመጠ ህወሓት ብሓደ ወገን “የትግራይ የበላይነት” ወዘተ ናበልካ ብምሽቑራር ካብ ፌደራላዊ መንግስቲ ዘለዎ ቦታ ኣመናሚንካ እቲ ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕሰብ ገዚፍ ጽዕኖ (እሞ ዘይብሉ) ትርጉም ብዘለዎ ኩነታት ምልማስ እንትኸውን (ዳርጋ ተሳኺዑ) ብቲ ካልእ ድማ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ፕሮፓጋንዳዊን ኣካላዊን ጥቕዓት ብምኽፋት ኣያን ሓታቲን ዘይብሉ ህዝቢ ክኸውን´ሞ ኣብ ህወሓት ተስፋ ቖሪጹ ኣንፃሩ ጠጠው ክብል ምግባር ዝዓለመ እዩ። እዚ ናብ ተግባር ንምሽራፍ ሕቡእን ግልጺን ዝኾነ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ ተጠቒምካ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብዘይ ኣፈላላይ ብምዝማት ህዝቢን ህወሓትን መሊእኻ ምፍታሕ ዓሊሙ ዝተንቀሳቐሰ እዩ። ንኣብነት ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልእ ኸባቢን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሰፊሕ ናይ ፀለመ ጎስጓስን እስካብ ናይ ዘርኢ ምፅራይ/ምጥፋእ (ethnic cleansing) ዝኸይድ ኣካላዊ ጥቕዓትን ብምኽፋት ህወሓት ከም ውድብን መንግስቲን ንህዝቡ ክከላኸል ዘይኽእል ምዃኑ ንምርግጋፅ ዘይነዓቕ ስራሕ ተሰሪሑስ ንቐፃሊ ጥፋኣት ዘተባብዖም ውጺኢት ረኺቦም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እስካብ መቐለ መጺኦም ኣብ ክንዲ ንተበዳሊ ኣፍልጦ ዝህቡን ይቕሬታ ዝሓቱን መሬት ሓረስቶት ትግራይ ተይወሰድና ሰላም የለን ስለዝበሉ ንሱውን ዳግም ተሳኺዑሎም።

 

ካብ ነዊሕ ድቃሶም ዘይተበራበሩ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ክንዲ ንደገፍቶምን ግዱሳት ወገናቶምን ምድማፅን ምስቲ ግሁድ ሓቂ ተቓሊስካ ነገራት ብእዋኖም ምእላይ ብሓደ ወገን ኣብ ገዝኦም ዘየለ ጸላኢ ከፈጥሩ ሕርዲግ እንትብሉ ብቲ ካልእ ድማ ንቶም ንእኦምን ህዝቢ ትግራይን ከጥፍኡ ዝተለዓሉ ሎሚ ንብኣዴን ዝወረሱ ሓይሊታት ትምክሕቲ ክሕለቑሎምን ከቀባጥሩሎምን ተራእዮም ህዝቢ እውን ኣሕዚኖም እዮም። እዚ ንብኣዴን ጨዊዩ ዘሎ ሓይሊ ግዝኣተ መሬትካ ቆሪስካ ሂብካ´ውን ካብ ጥፍኣት ዝምለስ ከም ዘይኮነ ብተግባራቱ ደጋጊሙ ዘረጋግፀልና ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ኣብ ሰሜን ጎንደርን ዶባት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ሀዚ´ውን ዝገብሮም ዘሎ እከይ ተግብራት ምግንዛብ የድሊ። ዓሚ ዝነበረ ጸረ ሰላም ምንቅስቓስ ተጠርጠርቲ ንመከላኸሊ ሰራዊት ኣሕሊፍኩም ሂብኩም ዝተብሃሉ ተጋሩ ነበርቲ ታሕታይ ኣርማጭሆ ንተበደልቲ ዝበሉዎም (ፀረ ሰላም ነበር) ይቕሬታ ክሓቱን ሽውዓተ ሽሕ ቅርሺ ካሕሳ ክኸፍሉን ከምዝተገደዱ ካብ ሰላማዊያን ተበደልቲ ብጭቡጥ ኣረጋጊጽና ኢና።

 

እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ። ከልቢ ብዝከፈቶ ዝብኢ ይኣቱ ከምቲ ዝበሃል ንዚ ድሕሪ ሞት ጠ/ሚ ነበር መለስ ዜናዊ ቐልጢፉ ናብ ኣዕናዊ ምንቕስቓስ ዝኣተወ ብኣዴን ዝርኣየ ኦህዴድ እውን ብሓደ ወገን ኣብ ናይዛ ሃገር ፖለቲካ ናይ ብኣዴን ዕብለላ ተይተግሃደ ንምኹላፍ፣ ብኻል ወገን ድማ ካብ ዘለዎም ዝምቡዕ ኣራእያ (ብዝሒ ህዝቢ፣ ስፍሓት መሬትን ተፈጥሮ ሃፍቲን ታሪኻዊ ናይ ተበዳላይነት ስምዒትን) ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን እዛ ሃገር ዓብላላይን ጠቕላላይን ናይ ምዃን ሕልሞም ንምግሃድ ቕጥዑ ዝጠፍኦ ኣካይዳ ይኸዱ ኣለዉ። ልክዕ ከምቲ ብኣዴን ኣብ ክልሉ ዘሎ ኩሉ ውድቀቱ ብህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዘላኸኸን ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልሉ ዝነብሩ ሰላማዊያን ተጋሩ ጥቅዓት ዝኸፈተን፣ ኦህዴድ እውን ብተመሳሳሊ ተጋሩን ህወሓትን ብምውንጃል ኣብ ኦሮሚያ ዝነብሩ ተጋሩ ምብስባስ መሪጹ። ተመሳሳሊ ግን ካብ ብኣዴን ቁሩብ ፍልይ ዘብሎ ድማ ኦህዴድ ኣንፃር እቶም ውድባዊ ውግንና ዘይብሎም ሓይሊ መከላኸሊ ሃገርን ሃገራዊ ደሕንነትን ብግልጺ ጠጠው ብምባል ናይ ፌደራል ትካላት ከዳኽምን ብሰፊሑ ሕገመንግስቲ ክጥሕስን ተራእዩ። ኣብ ነገርና እዚ ናይ ኦህዴድ ምንቅስቓስ ከም ናይ ብኣዴን ብናይ ውሽጢ ተምበርከኽቲን ናይ ደገ ፅንፈኛ ሓይሊታት ተጨዊዩ ብልፍንቲ ዝምወል ዘይኮነስ ኣብ ኦህዴድ ውሽጡ ብዝወቐሉ ኣባላት መሪሕነት ናይ ዓብላልነት ባህጊ ዝብገስን ዝምራሕን እዩ። ብሓጺሩ እቶም ብመንግስቲ ኤርትራን ግብፅን ዝድገፉ ኦነግን ጃዋርን ንቲ ምንቅስቓስ ብምጉህሃር (ዳውን ዳውን ወያኔ ዝብሉ፣ ጫውጫው ብምትእትታው፣ ረብሻ ብምልዕዓልን ገንዘብ ብምዱጓም) ይዕጅቡዎም እምበር ብቐንዱ እቲ ብኦነጋዊ ኣተሓሳስባ ዝሓከለ ኦህዴድ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ እዩ።

 

እዚ ምንቅስቓስ ብክራይ ኣካብነት ይኹን ብኻሊእ ይጀመር ብዘየገድስ ከይዱ ከይዱ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ምዃኑ ኣይተረፎን። ብኣዴንን ኦህዴድን ኣቲዮምዎ ዘለዉ ዘይተኣደነ ናይ ’’ጠቅላይ ኣግላይ’’ ፖለቲካዊ ንሕንሕ ኣንፃር እቲ ግንባር (ኢህወዴግ) ዝሓዞ ፖለቲካዊ መስመር ጥራይ ዘይኮነስ ብቐንዱ ኣንፃር እቲ ሕገመንግስቲን ፌደራላዊ ስርዓትን እዩ። ኣብዚ ኩነታት ዝተግሃደ ሓቂ ግን ኣሎ። “ህወሓት ይውደቕ እምበር ካልኦትምስ ደሓን” ዝብል ፅኑዕ እምነት ዘለዎም እቲ ጭዉይ ብኣዴንን መላፍንቱን (ናይ ቀደም ሱዑራት ናይ ሎሚ ፅንፈኛታት) ናይ ኦህዴድ ምሕካል ብዝተወሰነ መልክዑ ተየደንገጾም ኣይተረፈን። ከምኡ ስለዝኾነ’ውን እዩ ምስ ኦህዴድ ዘለዎም ኣጋርነት ክገልፁ ዝተፈላለየ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ዘለዉ። ኦህዴድውን ከምኡ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ እቲ ንብኣዴን እስካብ መሬት ምሽላም ዝኸይድ ቀብጠርጠር ዝርኣየ ኦህዴድ ንህወሓት ከም ስግኣት ምርኣይ ገዲፉ ትኹረቱን ቕድድሙን ብቐንዱ ኣብቲ ገቢሉ ናይ ኩሎም ኢድ ዝጥምዝዝ ዘሎ ብኣዴን ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። እዙይ ንህወሓት ከም ዕድል ድዩ ከም ሽግር ክቑጸር? ንተንተንቲ ክገድፎ። ናይ ኦህዴድ ጽሉልን ጸቢብን ብሄርተኝነት ግን ንኹሉ ስግኣት ዝፈጥር ስለዝኾነ ናይ ብኣዴን ናህሪ ቐኒሱ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብዘይኣፈላላይ ዝገብሩዎ ዘለዉ እከይ ተግባር ንግዚኡ ዝሕል ከብሎ ይኽእል ይኸውን እምበር ቀጻሊ እዩ።

 

እሞ እምበኣር ውድባት ኢህወዴግ ኣብዚ እዋን ሓደ ዕላማን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን የብለንን። ኣብ ሓደ ቐይዱ ናብ ዝሓሸ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝወስደን መሪሕነት’ውን የብለንን። ከም ግምባር ኣብ ሓደ ጠሚሩ ዘጽንሖ መትከላት ተሳኢኑ እዘን ውድባት ብፍላይ ድማ (ብኣዴንን ኦህዴድን) ዘመሓድርኦ ክልለን ከም ሓራ መሬት፣ ኣብ ፌደራል ትካላት ዘለወን ስልጣን ድማ ከም መሳርሒ ተጠቒመን በባህገን ክፍጽማ ገዓርዓር ይብላ ኣለዉ። ኦህዴድ እውን ብኣዴን ዝሰበሮ ማዕፆ ተጠቒሙ ሕገመንስግቲ ዝጥሕስ ተግባራት ኣብ ምፍፃም ይርከብ። ኣብ ዝሓለፉ ሰላማዊ ዓመታት ሐገመንግስቲ ናብ ተግባር ዝሽረፈሉ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ናይ ሕጊ ልዕልናን ተጠያቒነትን ትርጉም ብዘለዎ ኣገባብ ዝፈጸመሉን ስርዓት ተሃኒጹ እንተዝኸውን ነይሩ ሽግር ብዘላቕነት ንምፍታሕ ምሓገዘ። ንምንታይሲ እዚኦም ብዘይ ንሕስያ ኣብ ዘረጋገጸት ሃገር ውድባት ዝመርሑ ውልቀሰባት ኮረዩ ኣይኮረዩ ዘምፅኡዎ ለውጢ ኣይህሉን። ኣብዚ መዳይ ኢህወዴግ ደጋጊሙ ብምውዳቑ ሎሚ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝገደደ ኣቲና ንርከብ። ሓቂ ንምዝራብ ጠ/ሚ መለስ ዝመርሑዋ ኢትዮጵያን ኢህወዴግን ብናይ ውልቅኦም ክእለት ድኣ ይጓዓዛ ነይረን እምበር ድሕሪ ሕልፈቶም ትቕፅል ኣብ ዱልዱል መሰረት ዝቖመት ሃገር ንምፍጣር ዝገበሩዎ ፃዕሪ እንተሃሊዩ ኣብ ቕልጡፍ ቑጠባዊ ልምዓት ትዝወር ሃገር ምውናን ዝተወሰነ ጥራይ እዩ ነይሩ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣባህላ ቑጠባዊ ዕቤት ንኹሉ መፍትሒ ገይሮም ብምውሳድ ኣብቶም ዝተጠቐሱ (ትካላዊ ኣሰራርሓ፣ ናይ ሕጊ ልዕልናን ተጠያቒነትን ምርግጋፅ) ኣድማዒ ስራሕ ኣይሰርሑን። ውፂኢቱ ድማ እንሆ እቲ ንርኦ ዘለና ኮይኑ።

 

እሞ ካብ ኣርባዕተ ውድባት ኢህወዴግ ክልተ ኣባላት ሕገመንገስቲን ናይ ሓባር መትከላትን ጥሒሶም በቢወገኖም ናብ ስልጣን ንሕንሕን ክኣቱ እንተለዉ እቶም ዝተረፉ ክልተ ዋላ እንተሓበሩ ብሕጊን ኢህወደጋዊ ኣሰራርሓን እንታይ ከገብሩ ይኽእሉ? እንተይልና መልሱ ዋላ ሓንቲ ይኸውን። ኣብቲ ግምባር ውሽጣዊ ሓድነት ዘየለ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ውሳነ ንምሕላፍ ከምዘይከኣል ግልጺ እዩ። ንኣብነት እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኣይሰላም ኣይ ዂናት ዘሎ ኩነታት ብቱይ ወይም ብዙይ ይፈታሕ ዝብል ሓሳብ ሎሚ ንውሳነ እንተዝቕርብ ኣብ ናይቲ ግንባር ፈጸምቲ ኣባላት ይኹን ኣብ ፓርላማ ናብ ስምምዕ ዝመጽእሉ ኩነታት ዕጹው  ወይ ጸቢብ እዩ። የግዳስ ሳዓራይ ዘይብሉ ምፍጣጥ ወይ’ውን ስርዓት ኣልበኝነትን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ፖለቲካ ቅልውላውን ጥራይ ይስዕብ። ንዙይ’ውን እዩ ኢህወዴግ ካልኦት ውድባት’ውን ብኣባልነት ክሓውስ ኣለዎ፣ ኣብ ናይ ፌደራል ትካላት’ውን ውክልንኦም ትርጉም ብዘለዎ ኣገባብ ክብ ይበል ናበልና ዓገግ ንብል ነበርና። ንኣብነት ናይ ኢህወዴግ ፖሊሲ ብምፍፃም ቐዳማይ ዝወጽአ ንሱማሌ ክልል ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ኣባል ኢህወዴግ ዘይኾነሉ ምኽንያት ርዱእ ኣይኮነን። ኣባል ተዝኸውን ነይሩ እንተነኣሰ ኣብ ቤት ምኽሪ ፈጸምቲ እቲ ግንባር ናይ ባዕሉ ግደ ምሃለዎን ንቲ ሀዚ ዘሎ ኩነታትውን ምጸለዎን። ሀዚ ናብ ኣባልነት ይእቶ ዝብል ሓሳብ እንተዝቕርብ’ውን ብቲ ዘሎ ፍሕፍሕ ምኽንያትን ካልእን ክልቲኦም ውድባት ዝነፅጉዎ እዩ ዝኸውን።

 

ኣባላት ሓደ ዝኾነ ሕብረት ወይ ውዳበ ኩልሻዕ ተሳኒዮም ክነብሩ እዮም ማለት ስለዘይኮነ ወይ ክም እቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ኣብ ፅኑዕ ሕጊን ስርዓትን ትንብር ሃገር ትውንን ኣለካ ተዘይኮይኑ ድማ ንኻልኦት ተይተንከፍካ ስትራቴጂክ ረብሓ ዝወከልካዮ ህዝቢ ናኽበርካ ትቕጽለሉ ፖለቲካዊን ቑጠባዊን ቕልፅም ትውንን። እቲ ዘሕዝን ከምኡ ዓይነት ስርዓት ኣይተፈጠረ ህወሓት’ውን እቲ ናይ ምውጋይ ፖለቲካዊ ቅልፅም ከወንና ዝኽእል ዝነበረ ቑጠባዊ ዕቤት ይኹን ሓፈሻዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ስለዘይረጋገጸት ካብ ፅልዋ ፈጣሪነት ናብ ጠባሪነት ተሰጋጊራ ህዝባ ውሕስና ስኢኑ ይርከብ። ዘሕዝን።

 

እሞኸ …?

 

ሀ፦ ኣርባዕተ ውድባት ብኣባልነት ዝሓዘ ኢህወዴግ ብሕጊ ዝተመረጸ ገዛኢ ውድብ ይኹን ደኣ’ምበር እቶም ካልኦት ክልላት (ሱማሌ፣ ዓፋር፣ ሃረሪ፣ጋምቤላን ቤንሻጉልን) ዝመርሑ ዘለዉ ኣጋር ውድባት ኣብ ናይ’ዛ ሃገር ጉዳይ፣ ብፍላይ ድማ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝጣሕስን ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣብ ትኣትወሉን ኩነታት ማዕረ ወሰንቲ ምዃኖም ተፈሊጡ እቲ ሓዊ ኣብ ገዝኦም እስካብ ዝኣቱ እንተይተጸበዩ ኢዶም ክሓውሱን ኣካል ናይቲ መፍትሒ ክኾኑን ምግባር የድሊ። ተዘይኮይኑ ኩሉ ንዓመጸኛታት ገዲፍካ ንኹሉ ለኪማ ትጠፍእ ሃገር ከይትህሉ የስግእ እዩ።

 

ለ፦ ንግዕዝይናን ኣብ ህዝቢን ሃገርን ዝፍጸሙ ወንጀላት ፖለቲካዊ ፍታሕ ምሃብ ህዝቢ ምንዓቕ ጥራይ ዘይኮነስ ተወሳኺ ወንጀል ንኽፍጸም ዝተባብዕ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ተረጋጊጹ እዩ። ብምዃኑ ድማ ናይ ሕጊ ልዕልናን ተሓታታይነትን ካብ ምርግጋፅ ካልእ መማረጺ ዘላቒ ከምዘይኮነ ተረዲእኻ ምቅላስ። ስነምግባርን ሞራላዊ እሴታትን ዘይተሰቆሮ ፖለቲከኛን ቢሮክራትን ንዝፍጽሞም ገበናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ምሃብ ርእሱ ስኸኣለ ጥሕሰት ሕጊ እዩ።

 

ሐ፦ ሕግን ስርዓት ተኸቲልካ ናይ ዝወከልካዮ ህዝቢ ዘላቒ ረብሓን ድሕንነትን ምቅላስ። ካብ ወፅዓን ኩለመደያዊ ጥቕዓትን ሓራ ወፂኡ ከም ሃገሩ ተኸቢሩ ብማዕርነት ዝነብረላ ሃገር ንምፍጣር ምሩፃት ደቁ ዘወፈየ ህዝቢ ንመመላእታ 27 ዓመታት ኣብ ፀለመ ምንባሩ ከይኣኽሎስ መቕተልቲ፣ ማእሰርቲ፣ ምዝራፍን ምፍንቓልን ብስሩውን ከም ህዝቢ ክጠፍእ እንትእወጀሉ ኣገብ ዝብለሉ ኣያ ስለዝሰኣነ ጥራይ እዩ። ዓሚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብኣዴንን ምሻርኽቱን ሰፍ ዘይብል ጥቕዓት እንተብፅሕሉ ግደፍ ዝብል ፖለቲካዊ ሓይሊ ተዝርከብ ሎሚ ኣብ ኦሮምያ ኣይምተደገመን ነይሩ። ሓለዋትን ኣድላይነትን ህወሓት ኣብ ሃለዋትን ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ጥራይን ጥራይን ከምዝውሰን ንመራሕትና ምዝኽኻር ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ካብኡ ወፃኢ ብህዝቢ ትግራይ ሽም ዝሽቅጥ ናይ ውልቀ ትካል ካም ምዃን ሓሊፉ ካልእ ስራሕን ረብሓን ኣይህሉዎን። ብሃገር ብርኪ ዘሎ ሓላፍነት’ውን እንተኾነ ንህዝቢ ትግራይ ብምውካል ዝተረኸበ ስልዝኾነ ኣብኡ ተንጠልጢልካ እቲ ቐንዲ ሓላፍነትካ ምርሳዕ ኣግባብ ኣይኮነን። ብግልጺ ቋንቋ ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ሂወት ዘይብሉ ምዃኑ ምዝኽኻር የድሊ።

 

መ፦ እቲ ሕገመንግስቲ ዝሃበካ መሰል ተጠቒምካ ይውክሎ እየ ናይ ትብሎ ህዝብን ክልልን ኩለመዳያዊ ልምዓት ምርግጋፅን ቑጠባዊ ቅልፅሙ ዝሓየለ ህዝቢ ምፍጣር ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ድሕንነት ህዝብኻን ፖለቲካዊ ናይ ምውጋይ ዓቕምኻን ከምዘሐይሎ ሓደን ክልተን የብሉን። ህወሓት ኣብዚ መዳይ ደጋጊሙ ወዲቑ እዩ። ናይ ክልሉ ቑጠባዊ ዓቕሚን ኩለመደያዊ ልምዓት ክቕይር ዝኽእል ዝነበረ ነጋዳይ ብቲ ጉዕዙይ ቢሮክራሲኡ ኣቢሉ ፋሕ ጭንግራሕ ኣቢሉ፣ ሃገር ተረካቢ ሙሁርን መንእሰዩን ንስደት ዳሪጉ ህዝቢ ትግራይ ንዘየቋረፅ ውሽጣዊን ግዳማዊን ጥቕዓትን ምጉናይን ኣቃሊዑዎ ይርከብ። ሎሚ እዚ ኩነታት ብዘይውዓል ሕደር ክቕይር ዝኽእል ፖለቲካዊ ሓይሊ የድሊ ኣሎ።

Comments

comments