ናይ ታሪኽናን ባህልናን ሃይማኖትናን ሓድግታትና ናይ መንነትና መግለፂ ዝኾነ ስጡም ሕብረት ተጋሩ ድልዱል መሰረት ክኾነና ይግባእ፡፡

ካብ Tadesse Yemane

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሱር ኮንሰትራክሽን

ናይ ታሪኽናን ባህልናን ሃይማኖትናን ሓድግታትና ናይ መንነትና መግለፂ ዝኾነ ስጡም ሕብረት ተጋሩ ድልዱል መሰረት ክኾነና ይግባእ፡፡ ተጋሩ ኣብ ታሪኽና ዝኾነ ዓይነት ፀላኢ ፊት ንፊት ገጢሙ ስዒሩና ኣይፈልጥን፡፡ ኮይኑ ግን ካልኦትን ባዕልናን ብንፈጥሮም መሻግናት ብቐሊሉ ኣብ መፃወዲያ እናኣተና ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ምቹው ኩነታት ዘይምንባርና ፍሉጥ’ዩ፡፡

 

ኣናእሽቱ ዝመስላ ግን ብግዚኤን ተዘይተኣሪመን መሻግን ክኾና ዝኽእላ ተርእዮታት ኣብ ኩዕሾን መስቀልን ተኽዊለን ውጥም ቅልቅል ዝብላ ነገራት ኣለዋ፡፡ ብኽልል ደረጃ ጥምቀት ኣብ ማይጨው ፣ ኣሸንዳ ኣብ መቐለ፣ መስቀል ኣብ ዓዲግራት፣ እናኽበርና ከምንርከብ ይፍለጥ፡፡ኾይኑ ግን ኹሉ ትግራዋይ ናብዘን ኽባቢታት ክኽይድ ስለዘይኽእል ዓቕሙ ብዝፈቐዶ በብኽባቢኡ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ብዓላቱ ከኽብር ይግባእ፡፡ እዚ ብምግባሩ ድማ ፈፂሙ ዝደፋፋእ ዘይኮነስ ዝደጋገፍ ተግባርን ብድምር ብዙሓት ናይ ዓዲ ውሽጥን ወፃእን ዑደተኛታት ይስሕብ፡፡

 

ንኣብነት ኣሸንዳ ብፍሉይ ኣብ መቐለን ዓብይዓድን ይኽበር፡፡ ብምዃኑውን መቐለ ክርኢ ዝመፀ ኣብ ትሕቲ ክልተ ሰዓት ውሽጢ ኣብ ዓብይዓዲ ዘሎ ኣበዓዕላ ኣሸንዳ ናይ ምርኣይ ዕድል ይረክብ፡፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ንዓብይዓዲ ዝሓልፍ እግረ መንገዱ ናይ መቐለ ምርኢት ኣሸንዳ ተቛዲሱ ይሓልፍ፡፡ ጊዜ ከይበሃል በዓል ኣሸንዳ ሰለስተ መዓልቲ ሙሉእ ኣለዎ፡፡

 

ብተመሳሳሊ መንገዲ ኩሉ ሓይልና ኣተኣኻኺብና ናይ መስቀል ዓጋመ ካብ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ብተወሳኺ ምቁር ባህላዊ ትሕዝቶ ስለዘለዎ ኩልና ተጋሩ ዓቕምና ብዝፈቐዶ ዓድግራት ብምኻድ ክነኽብሮ ይግባእ፡፡ ናይ ዓጋመ መስቀል ፍሉይ ዝገብሮ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኩልና ካልኣይ መፀዊዒና ዓጋመ እዩ፡፡ በዚ ድማ ብጣዕሚ ንኾርዕ ምእንትምንታይ ዓጋመ ማለት ፃዕራም ጅግና ማለት ስለዝኾነ፡፡ እሞ እግረ መንገድና ትንሓልፍ ናይ ጎቦ ጮምዓ መቐለ ደመራና ወሊዕና ብሓባር ንወልዋሎና፡፡ ንእንግዶት ተኾነ ህዝቢ ዓጋመ ግዕዝም ጥሕሎን ሜስን ሒዙ ብፍቕሪ ይፅበሎ፡፡

 

ብተመሳሳሊ መንገዲ ፍቕሪ ተጋሩ ብተግባር ንምርኣይ ኣብ ራያ ብጓጊድ ፀባን ሩጉኦን ብሓባር ክንቋደስ ተታሓሒዝና ናብቲ ፍቕሪ ከም ማይዓይኒ ዝፈሰሉ ራያ ጉማየ ላበልና ብሓባር ናብ ማይጨውና፡፡

 

እሞ’ዞም በዓላትና ብደንቢ እንተዋዲድናዮም ናይ ፍቕርናን ሓድነትናን መሰረት ስለዝኾኑ ኩልና መረባና ንዓኩኽ፡፡

 

እቲ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ትግራዋይ ዝተፈላለዩ በዓላት ምኽንያት ብምግባር ብዓሰርተታት ኣሸሓት ናብ ዓዱ ይውሕዝ ኣሎ፡፡ ዕንይንይ ዘብለናሎ ውሽጣዊ ኹነታትና ብቕልጡፍ ብምትዕርራይ እዚ ሓይሊ’ዚ ብውነ ተተጠቒምናሉ ዓብይ ናይ ኢንቨስትመንት ፀጋ እዩ፡፡

 

ተጋሩ ብሓደ ምብላዕን ምስታይን ዘለና ምቁር ባህሊ ናብ ብሓባር ምስራሕ ብቕልጡፍ ክነስፍሖ ይግባእ፡፡ ምስ ዘለና ፃዕሪ ብዝበለፀ እንተሓቢርና ከምቶም ብፃዕሮም ኣብ ልዑል ብርኪ ዝርከቡ ህዝብታት ዓለም ከምንበፅሕ ጥርጥር የብሉን፡፡

 

ንኣብነት ብፅፈት ዝተፀንዑ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብሓባር ክንሰርሕ ተንሓስብ ሎማዓንቲ ከምዝስዕብ ዓቕሚ ኣለና ኢለ ይኣምን፡፡

 

1. ሓደ ሚልዮን ትግራዋይ ስድራ ሕድ ሕድ ሓደ ሽሕ ቅርሺ ኢንቨስትመንት ክገብር ዓቕሚ ኣለዎ፡፡ በዚ ኣቢልና ሓደ ቢልዮን ቕርሺ ንውህልል፡፡

 

2. ሓደ ሚእቲ ሽሕ ንኡስ ሃፍታም ትግራዋይ ሕድ ሕድ ዓሰርተ ሽሕ ቕርሺ ኢንቨስት ክገብር ዓቕሚ ኣለዎ፡፡ በዚ ኣቢልና ካልኣይ ሓደ ቢልዮን ቕርሺ ንውህልል፡፡

 

3. ዓስርተ ሽሕ ማእኽላይ ሃፍታም ትግራዋይ ሕድ ሕድ ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ ኢንቨስት ክገብር ዓቕሚ ኣለዎ፡፡ በዚ ኣቢልና ሳልሳይ ሓደ ቢልዮን ቅርሺ ንውህልል፡፡

 

4. ሓደ ሽሕ ላዕለዋይ ሃፍታም ትግራዋይ ሕድ ሕድ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ኢንቨስት ክገብር ዓቕሚ ኣለዎ፡፡ በዚ ኣቢልና ራብዓይ ሓደ ቢልዮን ቅርሺ ንውህልል፡፡

 

ብኣጠቓላሊ ኣብቲ ነዋህልሎ ዓርባዕተ ቢልዮን ቕርሺ ሰብዓ ሚእታዊ ልቓሕ ተንሓውሰሉ ልዕሊ ዓሰርተ ሰለስተ ቢልዮን ቕርሺ ንውህልል፡፡ እዚ ድማ ብውሕዱ ልዕሊ ዓሰርተ ሰለስተ ብጣዕሚ ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ንምስራሕ የኽእለና፡፡ እዚአን ብተረአን ንኣማኢት ደቀቕትን ኣናእሽትን ኢንዳስትሪታት የፅልላ ንዓሰርተታት ኣሸሓት ስራሕ ዕድል’ውን ይፈጥራ፡፡

 

በዚ ኣቢልና’ውን ንኻልኦት ህዝብታት ኣብነት ብምዃን ናይ ትግራይናን ሃገርናን ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ኣብ ምርግጋፅ ዘይትካእ ግደ ይህልወና፡፡ ስለዚ እቶም ገለ ገለ መሻግናት ክንሓብር ከለና እቲ ዘለና ዓቕሚ ከይንርኢ ከይኽውሉና ንጋልሃዮም፡፡

 

ኣብ መወዳእታ ሓደ ነገር ከዘኻኽር ይፎቱ፡፡ ድሕሪ ዓወት ከምኒ ኣርኣያ ዘሪሁን ዝመሰሉ ፈተውቲ ዓዶም ስምዒት ተጋሩ ናብ ሓደ ኣምፂኦም ኩልና ናብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተፀንቢርና፡፡ ፅቡቕ ስራሕት’ውን ተሰሪሑ፡፡ ድሕሪ ውሑድ ዓመታት ግን ኣብ ክንዲ ፀገማት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክዕረ ምቅላስ ነናብ ቑሸትና ተበቲና ሓደሽቲ ልምዓት ማሕበራት መስሪትና፡፡

 

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለኒ መረዳእታ ኣብ ትግራይ፣ ማእኽል ሃገርን፣ ወፃእን፣ ክልልና ካብ ዘለዋኣ 52 ወረዳታት ንላዕሊ ዝተፈላለያ ናይ ልምዓት ማሕበራት ተጣይሸን ይርከባ፡፡ እዘን ናይ ልምዓት ማሕበራት ሐዝውን ብውነ እንተመሪሕናየን ተወሰኽቲ ፀጋታት እየን፡፡ ንኣብነት ሓንቲ ማሕበር ኣብ ሓንቲ ወረዳ ቓላሚኖ ትመስል ቤት ትምህርቲ ሰሪሓ ክተመሓድር ተትኽእል ኣብ ትግራይ ብንኡስ 52 ብሉፃት ቤት ትምህርቲ ምሃለዋና፡፡ በዚ አቢለን’ውን ንትምህርቲ ፅርየት ትግራይ ዘይትካእ እጃም መበርከታ፡፡

 

እንተዘይኾይኑ ግን ሃፍቲ ካብ ምብታን ሓሊፉ እንተይተፈለጠን መሊእና ከይንሰምር ክገብራና ስለዝኽእላ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ  ዘለና ስኽፍታ ብግልፂ ብምዝርራብ አድላይ ተኾይኑ’ውን ከም ብሓዱሽ አወዳድቡኡ ብምትዕርራይ ሃፍተን ኣተኣኻኺበን ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተዘፅልላ ተወሳኺ ናይ ሕብረትና ዓቕሚ ምኾና ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

 

ርሑስ በዓል መስቀል ይግበረልና

Comments

comments