ዮሃንስ ንጉስ ዘ ኣቢስንያ by ዶ. ር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም

 

(ትርጉም ታሪካዊ ሰነድ 1872 ዓ.ም/ 3 April 1880/)

መእተዊ

እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ፅሑፍ ካብ ሓደ “ኒውዚላንድ ሄራልድ” ዝብሃል ኣብ 26 መጋቢት 1872  ዓ.ም ማለት እውን 3 April 1880 ዓ.ም ቅድሚ 137 ዓመት ኣብ ሃገረ ኒውዚላንድ ወፂኡ ዝተሓተመ ጋዜጣ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሻውዓይ ዓመት ንግስና ሃፀይ ዮሃንስ ብዛዕባ መንነቶምን ቁመነኦምን ዝገልፅ ንኣንበብቱ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ሰነድ እዩ። እቲ ዘበን ብዙሓት ኣውሮፓውያንን ካልኦት ፀዓዱ  ፀሓፍትን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካውያን ቅሉዕ ናይ ዘርኣውነት ኣረኣእያ ዘሰጉሙሉ እዋን እዩ ነይሩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣፍሪካውያን ፅቡቕ ኣይፅሓፍን ነይሩ። መራሕቲ ኣፍሪካ ባርባራውያንን ድሑራትን ኢልካ ምስማይ ዝተለመደ ነይሩ። ስለዚ ሕማቕ ኣረኣእያ ኣብ ዝነበረሉ ዘበን ብዛዕባ ሃፀይ ዮሃንስ ነቶም ብዘርኣውነት ዝተላዕጠጠ ፅሑፋት ዝቐርበሎም ዝነበረ ኣንበብቲ እንታይ ዝብል ተፃሒፉ ከምዝነበረ ርኢኻ ምንባብ ንፍርዲ ታሪክ ስለዝጠቅም ንኣንበብቲ ትግርኛ ተርጕምና ከምዘሎ ኣቕሪብናዮ ኣለና።

ነቲ ዕቑር ናይ እንግልዝኛ ጋዜጣዊ ፅሑፍ ካብ ጥንታዊ ሰነዳት ጎርጕራ ብተገዳስነት ንሶሻል ሚድያ ኣንበብትና ዝሰደደትና ሓፍትና Mesrak Ahmed ብስም ኣንበብትና ምስግና ይብፃሓያ።

ምሉእ ትርጉም  ቀፂሉ ዘሎ እዩ።

“ዮሃንስ ንጉስ ዘ ኣቢስንያ”

ንጉስ ሓበሻ ዮሃንስ ዋላ እኳ ወዲ 38 ዓመት ሰብኣይ ይኹን እምበር ካብ ታራ መንፋዕትነት ሓሊፉ ዝነኣድ  ወተሃደርን መራሄ መንግስትን ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ እዩ። ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ሰራዊት ግብፂ ሰለስተ ጊዜ ዓወት ጨቢጡ ምሉእ ብምሉእ   ደምሲስዎም። (እርማት፦እቲ ኵናት ክልተ ጊዜ  ጥራሕ እዩ ነይሩ።) ብተመሳሳሊ እውን ኣብ ልዕሊ ክልተ ሓያላት ተቐናቐንቲ መሳፍንቲ ውሽጢ ሃገር ዓብላልነት ሓይሊ ኣርእዩ ኣገዳሲ ቦታ መራሕነት ሰራዊት ተቐቢሎም ኣብ ትሕቲኡ ንክስለፉ ገይርዎም እዩ። ንዕኡ ንምግልጋል ካብ ዝፈቐዱ ሰባት ሓደ ራእሲ ወረኛ (እርማት፦ ራእሲ ወልደስላሰ ወረኛ) ዝብልዎ ገዛኢ ከባቢ ኣምሓራ  ሓደ እዩ። እዚ ሰብ እዚ በቲ ኣብ መጋባእያ ዝሰዓሮ ገዛኢ ዝረኸቦ ስልጣን ዝዓገበ እዩ ዝመስል።

ሓደ ዓዲ ንምጉብናይ ዝመፀ ኣውሮፓዊ ተጉዓዚ ኣብ ካምፕታት እምባ ጫራ ምሰቲ ንጉስን ሰራዊቱን ቀንዩ ነይሩ። ንሱ ከምዝበለኒ “ናይቲ ንጉስ ተፈጥሮኣዊ መልክዕ ብዝምልከት ኣካላዊ ቁመንኡ ሓፂር፣ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ንእስ ዝበላ ኮይነን ብትኽክልን ብማዕረን ዝተሃነፃ እየን።” ብምባል ይገልፆም። ኣስዒቡ እውን ልዑል ጥንካረን ዓቕልን ዘለዎ ሰብ ከምዝኾነ ይገልፅ። ግርም ምስለ ህንፃ ኣካላት ዘለዎ፣ ተኣናፊ ዝመስል መኻፍቲ ኣፉን መንከሱን ኮነ ዳርጋ ናይ ወይዘራዝር ዝመስል ኣናኣሽቱ ኣእዛኑ ርኢኻ ኣብ ኣፍሪካ ዝርከብ ባርባራዊ መራሒ ምዃኑ የግርመልካ እዩ። እዚ ነዚታት ዝገለፀለይ ሰብ ከምዝበሎ “ኣብ ልዕሊ ምዕሩግ ጠናናይ ፈረሱ ተወጢሑ፣ ኵናቱን ዋልትኡን ገቲሩ፣ ርእሱ ቀሊዑ፣ ብዘይሳእኒ ነተን ዓበይቲ ኣፃብዕቲ ኣእጋሩ ኣብ ብብሩር ዝተሰርሐ ርኻብ (ቀለበት) ኮረቻ ኣእትዩ ክጉዓዝ ክትርእዮ ልዑል ግርማ ሞገስ ኣለዎ። ካብ ርሑቕ ከም ነፀብራቕ ዝጥምትን ብዘይ መጠን ጠበንጃ ዝብህግን ሰብ እዩ። ጠባዩ ኣዝዩ ምቑሉል ብምዃኑ ካብቲ ብዙሓት ድሑራት መሳፍንትን ልኡላትን ዝልለዩሉ ጃህራን ብላሽ ትምክሕትን ተፈልዩ ዝወፀ ሰብ እዩ። ብተፈጥርኡ ጥንቁቕን ቁጥብን ባህረ ዝተዓደለ ኮይኑ ሕግታት ኢትዮጵያ ኣፀቢቑ ዘንበበን ዝፈልጥን ሰብ እዩ። ብዘይካ እዚ ርእሰ ግትኣት (ነብስኻ ምቁፅፃር) ዘለዎን ሃይማኖተኛን እዩ።

ናይ ንጉስ ዮሃንስ ዝውትር ተግባርን ኣብ ምፍፃም ጉዳያት ዘለዎ ልዑል ዓቕምን ርኢኻ ብዛዕባ ፌሬደሪክ ዓብዪ (መብርሂ፦ ካብ 1740-1786 ዓ.ም.ፈ ንጀርመን ዝገዝአ ዳግማዊ ፌሬደሪክ) ዝንገር ልሙድ ታሪክ ክትዝክር ይገብረካ። ናይ ባዕሉ ውልቃ ልምድታት ወሲኸካ ኣብ ዝተወሰነ ባህርያቶም ክልቲኦም ነገስታት ይመሳሰሉ እዮም።  ንጉስ ዮሃንስ ወጋሕታ ለይቲ ሰዓት 9 (ሰዓት 3 ለይቲ ብፈረንጂ) ካብ መደቀሲኡ ይልዓል ። ብናይ ሽምዓ ብርሃን መዝሙር ዘዳዊት ንክልተ ሰዓታት ብዘይምቁራፅ ይደግም። ብድሕሪ እዚ ቤተ ክርስትያን በፂሑ መብዛሕትኡ ቅድሚ እኽሊ ምልካፉ ኣብ ምሃብ ፍትሒ ብምውዓል ብዙሕ ሰዓታት የሕልፍ። ካብዚ ዝሓለፈ ግን እታ መዓልቲ ኣብ ምፍፃም ጉዳያት መንግስትን ኣብ ምንቅስቓስ ሃገራሰባዊ ስፖርት ዝኾነ “ጉግስ” (ናይ በርበርን ዓረብን ባህሊ ስፖርት ዝመስል ፀወታ) ኣብ ምፅዋት የሕልፎ። ምስ መሰየ ድማ ዳግም ናብ ምንባብ መፅሓፍ ይኣቱ። ልክዕ ሰዓት ሰለስተ ናይ ምሸት (ምሸት ሰዓት 9 ብፈረንጂ) ናብ ዓራቱ ኣትዩ ይድቅስ። ከምዚ ስለዝገብር ወጋሕታ ካብ ምድቃሱ ንክነቅሕ ይሕግዞ።

ናይዚ ንጉስ ተዘውታሪ መደረብታ ክዳን ገዚፍ ፃዕዳ ኣንሶላ ዝመስል (ኩታ ንምባል እዩ) ኮይኑ ኣብ ፀጋማይ ጫፉ ድሙቕ ቀይሕ ህድያት ዘለዎ እዩ። እዞም ክልተ ሕብርታት ምልክት ኣርማ ቤተ ክርስትያን ሓበሻ እዮም። እቲ ፃዕዳ ጥለት ንፅህና መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ዝውክል ኮይኑ እቲ ድሙቕ ቀይሕ ድማ ንስርየትና ዝኸፈለልና ካሕሳ ደም ዘመልክት እዩ። እዚንጉስ ምስ እንግሊዝ ዝልዓለ ምሕዝነት ከምዘለዎ እዩ ዝገልፅ። በዚ ምኽንያት ካብ ንግስቲ እንግሊዝ ናይ ዝተሰደደሉ ደብዳበ ቅዳሕ ትርጉም ኣብ ግዝኣቱ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ንክርእይኦን ንከንብብኦን ሰዲዱለን እዩ። ኣብ ሎንደን ናይዚ መርኣያ መራሒ ወኪል ኮይኑ ዝሰርሕ ሓደ ነብስሄር ሚስተር ሄንሪ ኤስኪንግ ዝብሃል በዓል ሕትመት ናይ “ዮሃንስ ንጉስ ኢትዮጵያ” ዜና መዋእል ኣብቲ ኣብ ኮርኒሂል ዝርከብ መደበሩ ዓቂቡዎ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

Comments

comments