ተጋሩ ውሑዳት ዲና? by Asfaw Gedamu

===============

‹‹ንላዘብ ዶ ኣለና ንመኻኸር

ንሰምር ዶ ኣለና ንተሓባበር

ኣታሓሳስባና እንተሃፍቲሙ

ወዮ ድኽነትና ሻዑ ኣቅሂሙ››  ኣብርሃም ኣፈወርቂ(ተሓምበለ)

 

ብዙሓት ተጋሩ ኣሕዋተይ ንሕና ውሑዳት ስለ ዝኾንና ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ እንተሰፈነ እውን ተረባሕቲ ኣይንኸውንን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ምስ ኤርትራውያን ተጋሩ ብምውሃድ በዝሒና ክንውስኽ ኣለና ዝብል መንፈስ ዘለዎ ሙግት እንትደጋግኡ ይዕዘብ እየ፡፡

 

ሓቂ ንምዝራብ ሕብረት ይኹን ሰላም ዝፀልእ የለን፤ እንተንኣሰ ንቡር ጉርብትና እንተ ተኻኢሉ ድማ ሓድነት ዝፅየፍ ተሃልዩ ፅሉል ክኾን ኣለዎ፡፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ከይደርበኻ ወይ ከይሰበርኻ ካብ ኢድኻ ንዘምለጠ ምምላስ ወይ ዝተበላሸወ ምሕዝነት ምፅጋን እማ ወለድና ዘፅነሑልና እንኾርዐሉ ባህልና እዩ፡፡

 

ግን ሕብረት ዘድልየን ውሑዳት ስለዝኾንና ድዩ?

 

ምስ ኤርትራውያን ተዛረብቲ ትግርኛ ይኹን ምስኩሎም ኤርትራውያን ሕብረት ዘድልየና ውሑዳት ስለ ዝኾንና ከይኮነስ ምስ እንሓብር ብዝበለፀ ተረባሕቲ ዝገብረና ናይ ሓባር ረብሓ ስለ ዘለና ጥራሕ እዩ፡፡ሕብረት ብዓይኒ ረብሓ እንተዘይተቓንዩ ዋጋ የብሉን፡፡ብስሩ እውን ግን ንሕና ተጋሩ ውሑዳት(minority) ኣይኮንና::ውሑዳት ንብዙሓት(majority) ተገዛእቲ ክኾኑ ኣለዎም ዝብሃል ኣምር ንዲሞክራሲ ጎዶሎ ካብ ዝገብርዎ ድኽመታት እቲ ሓደ እዩ፡፡ እቲ መፍተሒኡ ድማ counter majoritarian ዝብሃልን ብቑፅሪ ውሑዳት ንዝብሃሉ ብሄራት ድምፂ ብድምፂ ናይ ምንፃግ ስልጣን(veto power) ንክህልዎም ብምግባር እዩ፡፡

 

ብዝኾነ ግን ውሑዳት/ ብዙሓት ዝብሃል ኣምር ብቑፅሪ ጥራሕ ዝግለፅ ከም ዘይኾነ ክንርዳእ ኣለና፡፡እቲ ናይ መወዳእታ ውሑድ ዝብሃል ውልቀ ሰብ እንድዩ ሓቀይ? ውልቀ ሰብ እንድዩ ድኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ወይ ከዓ ፕረዚደንት ዝኾን፡፡እሞስ ንሓደ ቀዳማይ ሚኒስተር ወይ ከዓ ፕረዚደንት ውሑድ እዩ ክንብሎ ንኽእልዶ? ንሓደ ናይ ካቶሊክ ጳጳስ ወይ ከዓ መራሒ(ወናኒ) ሓደ ዓብዪ ትካል(ቢልጌትስ፣ ዙከርበርግ፣ ጄፍ ቦዞስ፣ ጃክ ማ ወዘተ. ) ውሑድ እዩ ድዩ ዝብሃል? መልሱ ኣይኮነን እዩ፡፡ዓለምና ብውሑዳት እያትግዛእን ትልወጥን ዘላ፡፡ማንዴላ፣ ማርቲን ሉተር፣ ማህተመ ጋንዲ፣ እየሱስ ክርስቶስ፣ ነብዩ መሓመድ፣ ቡድሃ፣ ኮንፊሼስ ወዘተ. ብቕፅሪ ተሪእናዮም ውልቀ ሰባት ስለ ዝነበሩ ውሑዳት ክንብሎም ምተገደድና፡፡እቲ ዘሕድርዎ ፅዕንቶ ኣዝዩ ዘይፅዓድ ስለ ዝነበረ ግን ልቢ ብዙሓት መሊኾም ክሻብ ሐዚ ዘድንቖምን ዘምልኾምን ብዙሕ እዩ፡፡

 

ስለዝይ፣ በዝሒ ወይ ከዓ ዋሕዲ ዘመላኽት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብነሕድሮ ፅዕንቶ እዩ ዝውሰን፡፡እዝይ ከዓ ስልጣን ይብሃል፤ጥቕልል ኣቢልኻ እንትርአ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካውን ልዕልነት ዘመላኽት እዩ፡፡ማሕበራዊ ሰልጣን(social power) ብኣብዝሓ ብናይ ኣተሓሳስባ ልዕልነት እዩ ዝግለፅ፡፡ዋእ፣ እዚ ስብ ዝይ ፍሉይ ፍጥረት እዩ…ዝተቀብአ…ካብ ካሊእ ዓለም ዝመፅአ እዩ፡፡ ስለዝይ ንከተሎ፡፡ ንክትብል ዘገድዳካ ማለት እዩ፡፡(ንተወሳኺ ሓበሬታ ብSerge Moscovici ዝተኣታተወ Minority influence theory ኣብ ጎጉል ኣሊሽኹም ኣንብቡ)

 

ወሕዲ ድማ ብኣንፃሩ ስእነት ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስልጣን እዩ ዘመላኽት፡፡ስለዝይ ትኹረትና ክኾን ዘለዎ ስልጡን ስልጣን እዩ፡፡ እዝይ እንተሒዝና ነቕ ዘይብል ሕብረት ይህልወና፤ ኣብ ዘለቕቲ ረብሓታትና ከም ንህቢ ንዓስል፡፡

 

ካብ ምንቅስቃስ ኣግኣዝያን ይኹን ካልኦት እንፅየፎን እንውግዞን ጉዳይ:-

 

1. ኣብ ልዕሊ ብሄራትን ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምናን ዝቐንዐ ግስርጥና

2. ሓድነትና ዝሽርሽሩ ኣተሓሳስባታትን ኣሰራርሓታትን

3. ምግንፃል ዝብልዎ ዕብዳንእዮም፡፡

 

1. ሓደ፣ ፀረ ሃይማኖትን ብሄርን ዝኾነ መዕነዋይ ስብኸት ጥራሕ ጠጠው ክብል ኣለዎ፡፡ሓድነትን ምትእምማንን ከይህሉ ብምግባር ኣድላዪ ናብ ዘይኮነ ሓዞ ትሰዶ ስለ ዘምርሐና…ኣብ ልዕሊ እቶም ዘለውና ኩለመዳያዊ ፀገማት ካሊእ ፀገም ስለዘስዕብን ካብ ረብሓኡ ሓደጋኡ ስለ ዝበልፅን፡፡ቁፅሪታት ሓደን ክልተን ድምር ውፅኢቶም ሓደ ስለዝኾነ ኣብዝይ ይምድቡ፡፡

 

2. ምግንፃል፡- ካልኣይ ድማ ንሕና ብተጠቃዓይነትን ዓርሰ ትሑትነትን መንፈስ( victimhood mentality and inferiority complex) እንሳቐ፣ ነዚ ሰጊእና ድማ እንሃድም ከይኮንናስ ንዘዝመፅኡናን ዘጋጠሙናን ማሕለኻታት እናበታተኽና ዕንቅፋታት እናደርዐምናን ንቕድሚት እንስጉም ሰብ ቅያ ኢና፡፡ማሕለኻታትን ዓፀባታትን ብዝፈተሕና ቑፅሪ ልምድን ክእለትን እናኻዕበትና ስለ እንስጉም ፀገማት መፃኢ ዕድልና ዘለምሉምን ርክብና ዘስጥሙን እምበር ዘፀልምቱን ንዓይኒ ዕሙተይ ህድማ ዝዕድሙን እዮም ኢልና ኣይንኣምንን፡፡ህድማ መፍተሒ ክኾን ዝኽእል ንግዝያዊ ስልታዊ ምንስሕሓብ ጥራሕ እምበር ዘለቒ ኣይኮንን፡፡

 

ኤርትራውያን ፀገምና ኢትዮጵያ እያ ኢሎም ሃዲሞም፤ እቲ ፀገም ግን ብኢሱ እምበር ኣይተፈትሐን፡፡እቶም ፀገማት ስእነት ፍትሒ፣ ማዕርነትን ርትዓዊነትን፣ ልዕልነት ሕጊ ከምኡ እውን ስእነት እዞም ወሰንቲ ነገራት ዝወለዶም ድሕረትን ድኽነትን እዮም፡፡ ነዚኦም ተቓሊስካ ከንዲ ምፍታሕ ምግንፃል መሪፆም፤ ፈትሒ፣ ልዕልነት ሕጊ፣ ማዕርነትን ርትዓዊነትን፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ግን ወይከ!!!

 

ደቡብ ሱዳታውያን እውን እቲ ፀገም ምስ ሰሜን ሱዳን ሓቢርና ምንባርና እዩ፤ ንሶም ሃይማኖትና ንክንቕይር…ብሸሪዓ ንክንመሓደር ሰስለዘገድዱና እዩ ኢሎም ተገንፂሎም፡፡ እቲ ፀገም ግን ብኢሱ እምበር ኣይተፈትሐን፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ደቡብ ሱዳናውያን ነንባዕሎም እናዋገኡ ይርከቡ…ኣብ ኲናት ሕድሕድ ጣንዮም ይርከቡ፡፡

 

ንሕና እውን ካብዙይ ክንመሃር ኣለና፡፡ ትኹረትና ፀገማት ካብ ሰራውሮም መርሚርና ብምፅናዕ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ እምበር ኣብ ስልታዊ ምንስሕሓብ ክኾን የብሉን፡፡ህድማ ዘላቒ መፍተሒ ክኾን ኣይኽእልን፡፡

Comments

comments